Fana: At a Speed of Life!

ምዕሩይን ሓመለዋይን ከባቢ  ዘካትተ  ሓዱሽ ህንፀት መንበሪ ህንፃ ኣብ ቀፃሊ ወርሒ መስከረም ንምዝዛም ሎሚ ጀሚርና- ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር)  

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ሎሚ ኣብ ከባቢ ኣዋሬ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ዝጀመርናዮ ምንቅስቓስ ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ ትሑት እቶት ናይ ዘለዎም ምናልባት ናይ መወዳእታ ስፍራ ንምህናፅ ድልዊ ናይ ምግባር ስራሕ ተሰሪሑ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኩነታት ናብረኦም ፀገም ዝበዝሖም ከምዝነበሩ ገሊፆም።

ኣዝዮም ዝኣረጉ፣ ዝተላገቡ፣ ሽቓቕ ዘይብሎም መንበሪ ኣባይቲ ከምዝነበሩ እውን ኣብሪሆም።

ምዕሩይን ሓመለዋይን ከባቢ  ዘካትተ  ሓዱሽ ህንፀት መንበሪ ህንፃ ኣብ ቀፃሊ ወርሒ መስከረም ንምዝዛም ሎሚ ከምዘጀመሩ ድማ ተዛሪቦም።

እዚ ስራሕ ኣብ ትሑት ናብራ ዘለዉ ወገናት ህይወቶም ጥራሕ ዘይኮነስ መልማዕቲ ሪል እስቲት እውን ዝረብሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

በዚ ፕሮጀክት መንፈስ ቀፃልነት ርኢናሉ ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣዋሬ ቀፃልነት ዘለዎ ዕቱብ ፃዕሪ ከባቢ መንበሪ ክልውጥን ሜላን ተስፋን ኣነባብራ ክብ ከብል ዝኽእልን ኢዩ ኢሎም።

ናይዚ ዓመት ህንፀት ኣባይቲ ትሑት ናብራ ዘለዎም ወገናት ብኽፋል  ብቪዛ ፋውንዴሽን(VISA Foundation) ከምዝተሸፈነ ገሊፆም።

ካልኦት ተመሳሰልቲ ትካላትን ገብረ ሰናይ ትካላትን እውን ከባቢን ናብራን ዜጋታት ኣብ ምልዋጥ ብዘይትህኺት ክልግሱ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.