Fana: At a Speed of Life!

ምዝገባ ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዜጋታት ወፃኢ ተናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምዝገባ ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዜጋታት ወፃኢ ክሳብ 13 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ከምዝተናወሐ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣፈኛ እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር መለስ ኣለም ኣብ ዝሃብዎ ሰሙናዊ መግለፂ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዝገባ ዜጋትት ወፃኢ ሕጋዊ ንምግባር ክሳብ ነሓሰ 13 ኣናዊሑ ተባሂሉ።

ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝገበሮ ምዝገባ ልዕሊ 70 ሽሕ ዜጋታት ናይ 36 ሃገራት  ዘለዎም ውልቀ ሰባት ተመዝጊቦም ኣለው ኢሎም።

እቲ ምዝገባ ዝተናውሐ ኣብ ፈላማይ ዕድል ዘይተመዝገቡ ካልእ ዕድል ንክረኽቡ ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣምባሳደር መለስ ኣለም ኣብ መግለፂኦም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጠነ ፀገም ብሰላም ንክፍታሕ ሐዚ እውን ፅኑዕ ቅዋም ከምዘሎ ኣልዒሎም።

እቲ ፀገም ንምፍታሕ ድማ ናብ መማረፂ ሰላም ንምእታው ብወገን ሕብረት ኣፍሪካ ጥራሕ ከምዝኾነን ካልእ ኣካል ተቐባልነት ከምዘይብሉን ኣረዲኦም።

ኣብዚ ሰሙን እዚ ካብ ኮሚሽን ሰላም ሕብረት ኣፍሪካ ወፂኡ ዝተበሃለ ናይ ሓሶት ሓበሬታ እንበር፤ ሕጋዊ ሰነድ ከምዘይኮነ ድሕሪ ምሕባር፤ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪካ ማሕበረሰብ ዓለም ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ሓደ ገይርኻ ምውሳድ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ገሊፆም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.