Fana: At a Speed of Life!

ምዝገባ ተፈተንቲ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 2012 ዓ.ም ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ምዝገባ ተፈተንቲ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 2012 ዓ.ም ብኦን ላይን ተጀሚሩ።

እቲ ኦንላይን ምዝገባ፥ በቢከባቢኡ ኣብ ዝርከባ ኣቢያተ ትምህርቲ ከምዝተጀመረ ዳይሬክተር ኮሙዩኒኬሽን ሚኒስትር ትምህርቲ ወይዘሮ ሃረጓ ማሞ ተዛሪበን።

ተምሃሮ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝርከባ ኣቢያተ ትምህርቲ ተረኺቦም ብእዋኑ ምዝገበኦም ከካይዱ ከምዝግባእ እተን ዳይሬክተር ኣተሓሳሲበን።

ሎሚ መዓልቲ ዝተጀመረ ምዝገባ፥ ክሳብ 30 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ከምዝቕፅል ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብምኽንያት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና እንተይተውሃበ ዝፀንሐ ሃገር ለኸ ፈተና 12 ክፍሊ 2012 ዓ.ም፥ ሎሚዘበን ብኦንላይን ክወሃብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.