Fana: At a Speed of Life!

ምድላው ብሄራዊ መታወቂያ ናብ ተግባር ክእቶ ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምድላው ብሄራዊ መታወቂያ ናብ ተግባር ክእቶ ከምዝግባእ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክባት ወፃኢን ሰላምን ገሊፁ።

እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ትልሚን ኣፈፃፅማ ቀዳማይ ርብዒ ዓመትን በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ሚኒስቴር ሰላምን ተፀዋዕቲ ትካላቱን ኣብ ዝገምገመሉ እዋን ኢዩ እዚ ገሊፁ ዘሎ።

ምድላው ብሄራዊ መታወቂያ ብዝምልከት ካብ ከይዲ ሓሊፉ ናብ ጭቡጥ ተግባር ከምዘይተኣተወ ኣካቢት ንኡስ ኮሚቴ ሰላም ወይዘሮ ብርቱካን ሰብስቤ ገሊፀን።

ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ ብሄራዊ መታወቀቂያ ፈተነ ትግበራ ከምዝተገበረ ብምሕባር ክሳብ ሕዚ ዘለዉ ምንቅስቓሳት ን30 ሚሊየን ዜጋታት መታወቂያ ምሕታም ዘኽእሉ ኣብሪሀን።

ኣብ ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናት ኣድሂቦም ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝገምገመ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ፥ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብምስታፍ ዝውውር ዘይሕጋዊ መሳርሕታት ንምቁፅፃርን ንምክትታልን ዘኽእሉ ሶፍትዌር ቴክኖሎጂ ብመሪሕነት ሚኒስቴር ሰላምን ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራልን ስራሕ ከምዝተጀመረ ብጥንኩር ጎኑ ተመልኪቱዎ።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ዝውውር ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ንምቁፅፃር ዝወፀአ ኣዋጅ መሰረት ብምግባር ደምቢን መምርሒን ከምዝተሳናድአ እተን ሚኒስትር ገሊፀን።

ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል አይተ መላኩ ፋንታ፥ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ልዕሊ 700 ብገበን ዝተጠርጠሩ ልዕሊ 500 ነፍስወከፍን ናይ ጉጅለን መሳርሒታት ከምኡ እውን ልዕ 14 ሺሕ ጠያይቲ ከምዝተትሓዙ ገሊፆም።

እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣብ ዙሪያ ኦዲት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝገምገመ እንትኸውን፥ ኣብ ርካብ ኦዲት በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ብዝምልከት ብቤት ዕዮ ዋና ኦዲት ፌዴራል ኣቢሎም ይስተኻኸሉ ኣብ ዝተብሃሉ ርካብ ኦዲት ዝተወሰደ ስጉምቲ ዝርዝር ፀብፃብ ከምዘይቀረበ እተን ኣካቢት ብውስንነት ሓቢረን።

ብሄራዊ ምርድዳእ ብዝምልከት ኣብ ርብዒ ዓመት ዝተፈፀመ ካብ ዝተሃቀነ 42 ሚኢታዊ ምዃኑ እውን ወይዘሮ ብርቱካን ብጉድለት ኣልዒለን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.