Fana: At a Speed of Life!

ምጅማር ብፅሒት ዕዳጋን ልውውጥን ትልሚ ምዕባለ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንኽኸውን ሓደሽቲ ካፒታላት ኣብ ምስሓብ ፀወታ ዝቕይር ክኸውን ኢዩ – ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምጅማር ብፅሒት ዕዳጋን ልውውጥን (ስቶክ ማርኬት ኤንድ ኤክስቼንጅ) ትልሚ ምዕባለ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንኽኸውን ሓደሽቲ ካፒታላት ኣብ ምስሓብ ፀወታ ዝቕይር ክኸውን ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ቦርድ ኢንቬስትመንት ሆልዲንግስ ኢትዮጵያ÷ ኢትዮ ቴሌኮም ህዝባዊ ንኽኸውን ዘለዎ ድልዉነትን በዓል መዚ ካፒታል ማርኬት ኣብ ኢትዮዽያ ካፒታል ዕዳጋ ናብ ስራሕ ኣብ ምእታው ዝበፅሐሉ ብርኪን ገምጊሙ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ነዚ ስዒቡ÷ “ምጅማር ብፅሒት ዕዳጋን ልውውጥን (ስቶክ ማርኬት ኤንድ ኤክስቼንጅ) ትልሚ ምዕባለ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንኽኸውን ሓደሽቲ ካፒታላት ኣብ ምስሓብ ፀወታ ዝቕይር ክኸውን ኢዩ” ክብሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብሪሆም።

“እዚ ድማ ንሃገርና ሃንቀውታ ዝፈጥር ሓዱሽ ምዕራፍ ኢዩ” ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.