Fana: At a Speed of Life!

ምጉታት ህንፀት ፕሮጀክታት ማይ የትርፍ ኢዩ ዝተብሃለሉ ሶፍትዌር ማዕቢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ህንፀት ፕሮጀክታት ማይ ዝረአ ፀገም ፅፈትን ምጉታትን ንምትራፍ ዘኽእሉ ሶፍትዌራት ምምዕባሉ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዲኤታ ማይን ኢነርጂን ኣምባሳደር ኣስፋው ዲንጋሞ፥ እቶም ሶፍትዌራት ኣብ ህንፀት ፕሮጀክታት ማይ ዝረአ ፀገም ፅፈትን ምጉታትን ንምትራፍ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎም ገሊፆም፡፡

ፕሮጀክት መስተማይ ተደጋጋሚ ጉድለት ምምሕያሽ ዲዛይን፣ ፅሬትን ኣብ ዝተትሓዘሎም ዘይምዝዛምን ንተወሳኺ ወፃን ፀገም ሰናይ ምምሕዳርን መበገሲ ኮኖም ከምዝፀንሑ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ እቲ ዝማዕበለ ሶፍትዌር ድሌት መስተ ማይ ህዝቢ ንምምላእን ኣብቲ ዝለዓሉ ሕቶታትን ንምማልስ ከምዝሕግዝ ገሊፆም፡፡

መተሓባበሪ ስልጠና እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ተስፋየ ሉሌ ብግደኦም፥ ሶፍትዌራት እዋኑ ዘገናዘቡ ስለዝኾኑ ብምሕባር፤ ተቛረፅቲ ስራሕ ንምቁፅፃር ዝሕግዙ ከምዝኾኑ ምግላፆም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.