Fana: At a Speed of Life!

ምጉዳል ምግቢን ስርዓተ-ምግቢን ንምንካይ እናተሰርሐ ምዃኑ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዘፈር ሕርሻ መፍረያይነት ንምዕባይ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ጎድና ጎድኒ ልምዓት ስርዓተ-ምግቢ ተኮር ንኽኸውን እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ፡፡

ከም ሃገር ዝተቐመጠ ፀገም ምጉዳል ምግቢን ስርዓተ-ምግቢን ንምንካይ ዝተትሓዘ ሸቶ ንምዕዋት ዓውዲ ሕርሻ ግደ ከምዘለዎ እውን ተገሊፁ፡፡

ፀገም ምጉዳል ምግቢን ስርዓተ-ምግቢን ኣብ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ጉዳያት ዘሕድሮ ጉድኣት ብምርዳእ ብዝተመጣጠነ ነገር ዝማዕበለ ምግቢ፣ ድሕንነቱ ዝተሓለወ፣ ዝተሓዋወሰን እኹል ቀረብ ምግቢ ተበፃሕነትን ንምምሕያሽ ብዙሓት ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር ኣመላኺቱ፡፡

መፍረያይነት ንምዕባይ ኣብ ዝግበር ርብርብ ጉዳይ ምግቢን ስርዓተ-ምግቢን ትኹረት ተዋሂቡ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ዝገለፀ እቲ ሚኒስቴር÷ እዚ ኣብ ሸቶ ንምብፃሕ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብፅሒቶም ንኽዋፅኡ ሓቲቱ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.