Fana: At a Speed of Life!

ምጥንኻር ርክብ ኢትዮ-ሱዑዲ ንምርግጋፅ ቀጣናዊ ሰላምን ድሕንነትን ልዑል ግደ ኣለዎ-ኣምባሳደር ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምጥንኻር ርክብ ኢትዮ-ሱዑዲ ንምርግጋፅ ቀጣናዊ ሰላምን ድሕንነትን ልዑል ግደ ኣለዎ ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ታዬ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስዑዲ ዓረብ ፈይሰል ቢን ፋርሃን ኣል-ሳዑድ ኣብ ከልቲኣዊ ዛዕባ ጠመተ ዝገበረ ዘተ ኣሳሊጦም።

ኢትዮጵያ ምስ ስዑዲ ዓረብ ዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ባህጊ ከምዘለዋ ተገሊፁ።

ክልቲአን ሃገራት ርክበን መሰረት ዝገበረ ኣብ ምርግጋፅ ቀጣናዊ ሰላም፣ ድሕንነት፣ ኢኮኖሚን ማሕበራዊ ዓውዲታትን ብሓባር ክሰርሓ ከምዝግባእ ኣብቲ ዘተ ተገሊፁ።

ኣብ ሱዑዲ ዓረብ ዝዋፈሩ ኢትዮጵያዊያን ቁፅሮም ካብ እዋን ናብ እዋን ይወስኽ ምህላዉ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፥ እዚ ኩነታት ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ርክብ ኣብ ምጥንኻር ምቹእ ኩነታት ስለዝፈጥር ዜጋታት መሰሎም ተሓሊዩ ንክሰርሑ ምግባር ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ፈይሰል ቢን ፋርሃን ኣል-ሳዑድ ብግደኦም፥ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ እተን ሃገራት ነምጥንኻር ዓሊማ ኢትዮጵያ እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ንኢዶም።

እቲ ርክብ ብዝበለፀ ምጥንኻ ናይ ስዑዲ ድልየት ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.