Fana: At a Speed of Life!

ም/ቀ/ሚን  ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ንሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን መንግስቲ ፌዴራል ሶማሊያ ሞሓመድ ኣብዲራዛቕ ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን  ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ንሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን መንግስቲ ፌዴራል ሶማሊያ ሞሓመድ ኣብዲራዛቕ ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።

ኣይተ ደመቀ፥ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ጥንኩር ርክብ ዘለወን፣ ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ጥንኩር ምትእስሳር ዘለወን ጎረባብቲ ሃገራት ከምዝኾና ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝከኣል ኩሉ ከምትገብር እውን ቃል ኣቲዮም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ዝተሓሰበ ሃገራዊ መረፃ፣ ከምኡ እውን ኣብ ኩነታት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣድሂቦም መብርሂ ሂቦም።

ኢትዮጵያ ተካይዶ ሃገራዊ መረፃ ምድላዋት ምጅማራ ዝሓበሩ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ተመሳሳሊ መረፃ እተካይድ ሶማሊያ እውን ዕዉት መረፃ ንኽኾነላ ተመኒዮም።

ሞሐመድ ኣብዲራዛቅ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ኣብ ምርግጋዕ ሶማሊያ እናገበረቶ ዝፀንሐት ኣስተዋፅኦ ብምምስጋን፤ ሃገሮም ኣብ ቀረባ እዋን ትገብሮ መረፃ ምስ ክልል መንግስታት ዝርርብ እናገበረት ከምትርከብ ገሊፆም።

ሃገሮም ኣብ ክልል ትግራይ ኣጋጢሙ ዝነበረ ጉዳይ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምዃኑ ከምትርዳእን ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ዝገበረቶ ወፍሪ ከምትድግፍን ተዛሪቦም።

እቶም ሚኒስትር ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ሰላምን ምትሕብባርን ንኽጠናኸር ብሓባር ንዝገብረኦ ፃዕሪ ሃገሮም ቆራፅ ከምዝኾነት ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.