Fana: At a Speed of Life!

ሞያ መምህርነት ተመራፂን ተፈታዊን ንምግባር ክስራሕ ኢዩ – ሚኒስቴር ትምህርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሞያ መምህርነት ተመራፂን ተፈታዊን ንምግባር ከምዝስራሕ ሚኒስቴር ትምህርቲ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ኣብ በቢብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን እቲ ሚኒስቴር ኣብ ሓፈሻዊ ትልሚ 10 ዓመት ዓውዲ ትምህርቲ ኣድሂቦም ይዛተዩ ኣለዉ።

ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ኣብ ስርዓት ትምህርቲ ሞያ መምህርነት ካብ ምልመላ ጀሚሩ ፀገማት ከምዘለዉዎ ተሓቢሩ።

ሞያ መምህርነት መሪፆምን ደሊዮምን ዝመፅኡ ሰብ ሞያታት ኣብ ዘይብሉ ኩነታት፥ ምምሕያሽ ፅሬት ትምህርቲ  ኣፀጋሚ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

እቲ ዓውዲ ትፅቢት ዝግበረሉ ልኡኽቶ ንምዕዋት ሰብ ዋና ዝኾኑ መምህራን ብግቡእ ክስልጥኑን ግቡእነት እቲ ሞያ ክዋፅኡ ብዘኽእሎም ብርኪ ክዳለዉን ይግባእ ተባሂሉ።

ሞያ መምህርነት ተመራፂ ዓውዲ ንምግባር ብቕዓትን ተበግሶን መምህራ ምዕባይ፣ ስርዓት ኣወሃህባ ስልጠና፣ ናብራ መምህራን፣ ስራሕን ኩነታት ኣታዊን ብምምሕያሽ ደረጃ ክብሪ እቲ ሞያ ምዕባይ ከምዘድሊ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ድማ ሞያ መምህርነት ተፈታዊን ተመራፂን ንምግባር ኣብ ዝቕፅ 10 ዓማውቲ ብዕቱብ ንምስራሕ ከምዝተተለመ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የርድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.