Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ሸቀጣት ናብ ኣፍሪካ ንምብፃሕ ኩለመዳይ ምንቅስቓሳት ትገብር ኣላ – ሰርጌ ላቭሮቭ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ሩሲያ ፍርያታት ምግቢ ናብ ኣፍሪካ ንምብፃሕ ኩለመዳይ ምንቅስቓሳት እናገበረት ምዃና ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ሰርጌ ላቭሮቭ ገሊፆም።

ሩሲያ ብምዕራባውያን ኣብ ውሽጢ ፅዕንቶ ማዕቐብ ዋላ ትኹን እምበር፥ “ንኣፍሪካውያን ዝኣተወቶ ምግቢ፣ ዘበናዊ ዱኽዒ፣ ሓይሊን ካልኦት ሸቐጣትን ናይ ምቕራብ ቃል ክትፍፅም ኢያ” ኢሎም፡፡

ሞስኮ ኣፍሪካውያን ክተጥሚ ኢያ ዝብል ወረ ዩክሬንን ምዕራባውያንን መሰረት ዘይብሉ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ሩሲያ ኣብ መላእ ዓለም ተበፃሒ ትገብሮ ፍርያት ምግቢ ኣድላዪ ከምዝኾነ ከምትግንዘብ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ብፍላይ ቀረብ ምግቢ ማሕበራዊ ናብራ ኣብ ምርግጋእ ልዑል ግደ ከመዘለዎ ገሊፆም፡፡

ዩክሬን፥ ሩሲያ ኣብ ፀሊም ባሕሪ ዝርከብ ወደብ ብምዕፃው ናብ ዓለም ዕዳጋ ዓለም ክከፋፈል ዝነበረ ልዕሊ 20 ሚሊየን ቶን ምግቢን ሸቐጣ ሸቐጥን ከይንቀሳቐስ ገይራ ብምባል ትኸስስ።

ሩሲያ ብግደኣ ነቲ ውንጀላ ብምቅዋም ኣብቲ ወደብ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ንኽህሉ እናሰርሐት ከምዝኾት ከምትገልፅ ኣርቲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.