Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ትማሊ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ብዝፈፀመቶ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ልዑል ክሳራ ከምዘብፀሐት ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ሩሲያ ትማሊ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ብሓይሊ ኣየር፣ ሚሳኤል፣ መድፍዕን መቃወሚ ኣየርን ተሓጊዛ ብዝፈፀመቶ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ወታደራዊ ሓይሊ ዩክሬን ልዑል ክሳራ ከምዘብፀሐት ሚኒስቴር ምክልኻል እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቶም መጥቃዕቲታት ዒላማ ዝገበሩዎ ድማ ካርኪቭ፣ ዛፖሮዢያ፣ ዶኔስክ ከምኡ እውን ኣብ ወደብ ማይኮላይቭ ትርከብ ዲፕሮፔትሮቭስክ ከምዝኾነተ ተሓቢሩ፡፡

በጥቃቱ በመቶዎች የሚቆጠሩ ዒላማዎችን ሩሲያ መምታቷን መከላከያ ሚኒስቴሯ አስታውቋል

ሩሲያ በቲ መጥቃዕቲ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ዒላማታት ከምዝወቕዐት እቲ ሚኒሰስቴር ኣፍሊጡ፡፡

ለይቲ ብዝተፈፀመ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ሚሳኤል፥ ሓሙሽተ ማእኸላት ወታደራዊ እዚ ዩክሬን፣ ሓደ ናይ ነዳዲ ዴፖ፣ ሰለስተ መኻዚን ጠይት ሓዊሱ ብሓፈሻ 16 ዝኾኑ ዒላማታት ዓኒዮም፡፡

ብተዋጋእቲ ጀታት ድማ 108 ወታደራዊ ሓይሊታት ዩክሬንን ቀረብ ኣፅዋር ዝርከቡሎም ከባቢታትን መጥቃዕቲ ፈፂማ፡፡

12 ሰብ ኣልቦ ድሮናት ዩክሬን፣ ታንኪታት፣ ሚሳኤላትን ዴፖታትን እውን ብሚሳኤላት ሩሲያ ተወቒዖም ከምዝዓነዉ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

መነግስቲ ሩሲያ፤ ዩክሬን ኣብ ዝቕፅል በዓል ፋሲካን ድሕሪኡ ኣብ ዘለዉ ተኸታተልቲ መዓልቲታትን መጥቃዕቲ ክትፍፅም ከምትኽእል ሓበሬታ ከምዘለዎን መጥቃዕቲ እንተፈፂማ ብወገን ሩሲያ ዝህሉ ግብረ መልሲ ህልቂት ከይተተኣናግድ ስግአት ከምዘለዎ ምትሕስሳቡ ሬውተርስ ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.