Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ “ንፈተውቲ” ሃገራት ነዳዲ ትልእኸሉ ኣንፈት ከምትቕይር ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ “ንፈተውቲ” ሃገራት ነዳዲ ትልእኸሉ ኣንፈት ከምትቕይር ምክትል ቀዳማ ሚኒስትር እታ ሃገር ኣሌክሳንደር ኖቫክ ተዛሪቦም።

ሩሲያ ኣብዚ ዓመት ዘለዋ ፍርያት ዘይቲን ነዳዲን “ፈተውቲ” ንዝበለተን ሃገራት ንምልኣኽን ሓፈሻዊ ቀረብ ድማ ካብ 75 ክሳብ 80 ሚኢታዊ ንምግባር ከምዝሓሰበት እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም፡፡

እቲ ቀረብ ሓይሊ ተመን ዋጋ ንዝድግፋ ሃገራት ኣይግበርን ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ብመዳይ እዚ ቅዋም ሃገሮም ከምዘይልወጥ ኣብሪሆም።

ኞቫክ ኣብ ፖሊሲ ሓይሊ እታ ሃገር ንዝሰርሕ መፅሄት ከምዝገለፁዎ፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2022 ፍርያት ነዳዲ ሩሲያ 535 ነጥቢ 2 ሚሊየን ቶን ከምዝነበረን እዚ ድማ ኣቐዲሙ ምስ ዝነበረ ዓመት እንትነፃፀር  2 ሚኢታዊ ሓለፋ ከምዘለዎን ተዛሪቦም።

ብምኽንያ እዚ ኣብ ውሽጢ ክልል እስያ-ፓስፊክ ንዝርከባ ሃገራት ዝግበር ቀረብ ኣብ ዓመት ናብ 42ሚሊየን ቶን ክብ ክብል ከምዝተገበረ ምግላፆም ኣር ቲ ፀብፂቡ

ሩሲያ ብምዕራባውያን ዝተነበረላ ማዕቐብ ስዒቡ÷ ዝተፈላለየ ሜላ መሸጣ ነዳዲ እናተኸተለት ትርከብ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.