Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ንፖላንድን ቡልጋሪያን ተቕርቦ ጋዝ ኣቋሪፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ንፖላንድን ቡልጋሪያን ተቕርቦ ዝነበረት ጋዝ ምቁራፃ ኣፍሊጣ።

ዓቢዪ ትካል ነዳዲ ሩሲያ ጋዝፕሮም ከምዝሓበሮ፥ ካብ ሩሲያ ናብ ፖላንድን ቡልጋሪያን እናተለኣኸ ዝነበረ ቀረብ ጋዝ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ተቛሪፁ፡፡

ቀረብ ዝተቛረፀሉ ምኽንያት ድማ እተን ሃገራት ክፍሊተን ብመተዓዳደጊ ገንዘብ ሩሲያ (ሩብል) ንምፍፃም ፍቓደኛታት ብዘይምዃነን ኢ፡፡

እቲ ትካል፥ ፖላንድን ቡልጋሪያን ፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን መሸጣ ነዳዲ ዘይቲ ሩሲያ ብሩብል ንኽፍፀም ዝወሰኑዎ ውሳነ እንተዘየኽቢረን ቀረብ ተቛሪፁ ከምዝፀንሕ ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስትራት ኢኮኖሚ ክልቲአን ሃገራት ሩሲያ ቀረብ ጋዝ ከምዘቋረፀት ዘፍልጥ ደብዳቤ ከምዝዝበፅሖም ምርግጋፆም ኣርቲ ፀብጺቡ፡፡

ሩሲያ ምስ ጎንፂ ዩክሬን ተተሓሒዙ ብኣሜሪካን ምዕራባውያንን ዝተነበረላ ማዕቐብ ንምፅር መሸጣ ነዳዲ ዘይቲ ብሩብል ንኽኸውን ምውሳና ይዝከር፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.