Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያ) ብናፃ ንኣፍሪካ ክተቕርብ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ሩሲያ እናማዕበላ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪካ ብኣሽሓት ቶን ዝቑፀር ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበርያ) ከምተቕርብ ተገሊፁ፡፡

ኣፍራዪ መዓድንን መዳበርያ ፓታሽን ሩሲያ ዝኾነ ዩራልቼም÷ እቶም ፍርያት ንሃገራት ኣፍሪካ ብናፃ ንምቕራብ ከምዝወሰነ ዋና ፈጻሚ ስራሕ እቲ ኩባኒያ ዲሚትሪ ኮኒያዬቭ ኣፍኪጦም፡፡

ብመሰረት እዚ ፈላማይ 25 ሺሕ ቶን መዳበርያ ናብ ቶጎ ከምዝለኣኻ ተገሊፁ፡፡

እቶም ዋና ፈጻሚ ስራሕ÷ እታ ሃገር ዘበናዊ ዱኽዒ ምሃባን ናብ ወፃ ምልኣኻን ኣብ ውሕስና ምግቢ ፀገም ኣይፈጥርን ክብሉ ገሊፆም፡፡

ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ትካል ምትሕብባር ሻንጋይ ተረኺቦም÷ ብምዕራብ ዓለም ብምኽንያት ዝተነበረላ ማዕቐብ ኣብ ወደባት ዝተዓቖረ 300 ሺሕ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበርያ) ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት ብናፃ ክተቕርብ ኢያ ምባሎም ይዝከር።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.