Fana: At a Speed of Life!

ሩዋንዳ ካብ ዝነበረ ዘስካሕኽሕ ጨፍጫፍ ዓሌት ንደሓር ዳግም ንኽትህነፅ ኢትዮጵያ ንዘበርከተቶ አስተዋፅኦ ምስጋና ኣቕሪባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩዋንዳ ገጢሙዋ ካብ ዝነበረ ዘስካሕኽሕ ጨፍጫፍ ዓሌት ንደሓር ዳግም ንኽትህነፅ ኢትዮጵያ ንዘበርከተቶ አስተዋፅኦ ምስጋና ኣቕሪባ።

ኣብ ሩዋንዳ ኪጋሊ መበል 30 ዓመት ጨፍጫፍ ዓሌት ሩዋንዳ ሎሚ መዓልቲ ተዘኪሩ ውዒሉ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን መራሕቲ ሃገራትን ተረኺቦም።

ፕሬዚዳንት ሩዋንዳ ፖል ካጋሜ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ሩዋንዳውያን ኣብ ፀገም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ንዘርአዩዎ ምትሕብባር ኣመስጊኖም።

ብፍላይ ቀዳማይ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ መንእሰይ ዕድመኦም ኣኽባሪ ሰላም ብምዃን ናብ ሩዋንዳ ዝዘመቱ ምዃኖም ብምዝኽኻ ኣመስጊኖም።

ብኣልኣዛር ታደለ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.