Fana: At a Speed of Life!

ራብዓይ ዙር ስልጠና ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ፅባሕ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ራብዓይ ዙር ስልጠና ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ሓሙሽተ መዓልቲታት ከምዝወሃብ ተገሊፁ።

እቲ ባንኪ፥ ብምትሕብባር ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ንኣናእሽቲን ማእኸለዎትን ኣንቀሳቐስቲ ዝወሃብ ራብዓይ ዙር ስልጠና ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ።

ኣብ መግለፂኡ ድማ እቲ ስልጠና ብብርኪ ሃገር ኣብ 56 ከተማታት ኣብ ዝተሰናደኡ 95 ማእኸላት ስልጠናን ብ200 ኣሰልጠንቲን ከምዝወሃብ ተሓቢሩ፡፡

ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣብ ራብዓይ ዙር መርሃ ግብሪ ስልጠና፥ 50 ሺህ ሰባት ንምስልጣን ሓሲቡ ን14 መዓልቲታት ኣብ ዝገበሮ ምዝገባ 450 ሺሕን ሰባት ከምዝተመዝገቡ ተገሊፁ።

እቲ ባንኪ ኣብ ዝህቦ ራብዓይ ዙር ስልጠና፥ ቁፅሪ ተመዝገብቲ ልዑል ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ እቲ ስልጠና ብሰለስተ ዙር ከምዝወሃብ ተመልኪቱ።

ብመራኦል ከድር

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.