Fana: At a Speed of Life!

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ ውሕመ ንህዝቢ እቲ ክልል ሓገዝ ንኽገብር ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ ውሕቡራት መንግስታት ሓዊሱ ካልኦት ዓለም ለኸ ገበርቲ ሰናይ ትካላት በቢእዋኑ ኲናት እናተኸፈተሉ ንዝርከብ ህዝቢ ዓፋር ሓገዝ ንኽገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፣ ምክትል ዋናፀሓፊት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣሚና መሓመድን ነበር ፕሬዚዳንት ናይጄሪያ ኦሊሴጉን ኦባሳንጆን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡክ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ኣወል ኣርባን ዝተፈላለዩ መራሕቲ ዓሌትን ኣብ እዋናዊ ኩነታት እቲ ክልል ዘድሀበ ልዝብ ገይሩ።

ኣይተ ኣወል ኣርባ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዶብ እቲ ክልል ጥሒሱ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሓሙሽተ ወረዳታት ኲናት ከምዝኸፈተ ገሊፆም።

ኲናት ካብ ሞንጎ ዝተኸፈቶም ወረዳታት እቶም ሰለስተ ጦር ዘይሰፈረሎም መንበሪ ንፁሃን መንደራት ከምዝኾኑን እቲ መጥቃዕቲ ንፁሃን ዒላማ ዝገበረ ከምዝኾን ተዛሪቦም።

ውሕበ ሓዊሱ ካልኦት ዓለም ለኸ ትካላት ናብ ክልል ዓፋር መፂኦም ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ብዝዕባ ዝኣትወሉ መገዲ ካብ ምዝርራብ ሓሊፎም ወራር ዝተፈፀመሉ ህዝቢ ዓፋር ብዛዕባ ምሕጋዝ ንኸሓስቡ እውን ሓቲቶም።

ዓፋር ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ትግራይ ንኽኸይድ መገዲ ካብ ምትዕርራይ ጀሚሩ መእከቢ መኻዚናት ንኽህልዉ ከምዝሰርሕ ዝገለፁ ኣይተ ኣወል፥ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ግን ኣብ ዝተኸፈቱ መገዲታት ኲናት እናኸፈተ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ÷ ክልል ዓፋር ንሃገር  ዓቢዪ ዋጋ እናኸፈለ ከምዝኾን ነዚ ድማ ምስጋና ከምዝግበኦን ኣብሪሀን።

ምክትል ዋናፀሓፊት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣሚና መሓመድ ብግደአን፥ ኲናት ጠጠው ዝብለሉን ሰላማዊ ልዝባት ኣብ ዝህልዉሉን ኩነታት ክስራሕ ኢዩ ምባለን ኢቢሲ ፀብፂቡ።

ኣብ ዝኾነ ይኹን ኲናት ኣብ ዝርከበሉ ክፋል እታ ሃገር ንዝርከቡ ንፁሃን ዜጋታት ሓገዝ ንኽበፅሕ ከምዝሰርሓ እውን ተዛሪበን።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.