Fana: At a Speed of Life!

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ ኣብ ሆስፒታል ዱብቲ መፍረዪ ማሽን ኦክስጅን ስራሕ ኣጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር መንግስቲ ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ ኣብ ሆስፒታል ዱብቲ መፍረዪ ማሽን ኦክስጅን ስራሕ ኣጀሚሮም።

እቲ መፍረዪ ማሽን ኦክስጅን፥ ኣይተ ኣወል ኣርባን ሓዊሱ መስራቲን ዳይሬክተርን ሴንተር ፎር ኢንተርናሽናል ሪ ፕሮዳክቲቭ ሄልዝ ትሬኒንግ ፕሮፌሰር ሰናይት ፍስሃን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዩ ተመሪቑ ተኸፊቱ ዘሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ካብ ዝበሃሉ ማሽናት ሓደ እንትኸውን፥ ካብቲ ክልል ሓሊፉ እውን ንጎረባብቲ ከባቢታት እውን ኣገልግሎት ናይ ምሃብ ዓቕሚ ከመዘለዎ ኣብ እዋን እቲ ምረቓ ተገሊፁ፡፡

ሜዲካል ዳይሬክተር ሆስ‹ታል ዱብቲ ዶክተር ሁሴን ኣደም፥ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብልዑል ወፃኢ ይመፅእ ዝነበረ ኢክስጅን ኣብቲ ሆስፒታል ምፍራይ ከምዝተጀመረ ብምሕባር፤ ብሙሉእ ዓቕሙ ምፍራይ እንትጅምር ኣብ መዓልቲ ክሳብ 200 ሲሊንደር ናይ ምምላእ ዓቕሚ ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡

ብዓሊ ሹምባሕሪ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.