Fana: At a Speed of Life!

ርክብ ኢትዮጵያን ኣልጀሪያን ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዝጠመተ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልተኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ኣልጀሪያን ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዝጠመተ ዘተ ተኻይዱ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታየ ኣፅቀስላሴ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣልጀሪያ ኣሕመድ ኣታፍ ኣብ ክልተኣዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ክልቲኦም ወገት ርክብ ኢትዮጵያን ኣልጀሪያን ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ጠሚቶም ከምዝተዘተዩ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ እተን ሃገራት ኣብ ሓበራዊ ረብሓታት ዘለወን ምትሕብባር ምድንፋዕ ኣብ ዝኽእላሉ ኣግባብ ምይይጥ ተገይሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.