Fana: At a Speed of Life!

ርዕሳነ ምምሕዳር ክልላት በዓል ጥምቀት ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርዕሳነ ምምሕዳር ክልላት በዓል ጥምቀት ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ÷ ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና “እንኳዕ ንበዓል ከተራን ጥምቀትን ኣብፀሐኩም” ኢሎመ፡፡

ጥምቀት ኢየሱስ ክርስቶስ ፅልኢ ብዕርቂን ይቕሬታን ምፍታሕ ዘምህር ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ርስቱ ይርዳ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ በዓል ጥምቀት ካብ ሃይማኖታዊ በዓልነቱ ሓሊፉ ፅቡቕ ምስሊ እታ ሃገር ንምህናፅ ዘለዎ ረብሓ ዕዙዝ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ በቢእዋኑ ዘጋጥሙዋ ፈተናታት ብፃዕሪ ዜጋታታ ኣብዚ በፂሓ ኢያ ዝበሉ ኣይተ ርስቱ÷  ሕዚ ዝተረኸበ ዘላቒ ሰላም ብምቕፃል ኣብ ዝተዋፈርናሉ ዓውዲ ስራሕ ጠንኪርና ምስራሕ ትፅቢት ይግበረልና ኢሎም።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ነጋሽ ዋጌሾ ኣብ ዘመሓላለፉዎ ተመሳሳሊ መልእኽቲ÷ በዓል ጥምቀት እንትነኽብር ብምክብባርን ብምትሕስሳብን ክኸውን ይግባእ ኢሎም፡፡

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ብግደአን፥ ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ሰናይ በዓል ጥምቀት መኒየን፡፡

“በዓል ጥምቀት መእከቢና ብሓድነት መድመቒናን ብፍቕሪ መተኣሳሰሪናን ዝኾነ ውቁብ በዓል ኢዩ” ኢለን እተን ከንቲባ፡፡

“ኣብ ሓድነትና ንዘላቒ ሰላምና ንትጋሕ፤ ብፍቕርናን ምክብባርናን ንኢትዮጵያ ነጠንክራ፤ ብምትሕብባርናን ብፅንኩር ስራሕናን ኢትዮጵያ ክብ ነብላ ክብላ እውን መልእኽተን ኣመሓላሊፈን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.