Fana: At a Speed of Life!

ሮታሪ ምዕራብ ኣዲስ ኣበባን ሮታሪ ታይፒ ሲን ዪ ታይዋንን ብር 2 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ሕክምና ኣበርኪቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ ጉንበት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ሮታሪ ምዕራብ ኣዲስ ኣበባን ሮታሪ ታይፒ ሲን ዪ ታይዋንን ንማኣኸል ሕክምና ኮቪድ-19 ዝውዕሉ ብር 2 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ሕክምና ምልጋሶም ሚኒስቴር ጥዕና ገሊፁ።

ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፀን ከምዝገለፀኦ፥ እቲ ሓገዝ ኣብ ሚሊኒየም ኣዳራሽ ዝተሰርሐ ማእኸል ሕክምና ኮቪድ-19 ምድላው ንምድንፋዕ ዝውዕል ኢዩ ኢለን።

እቶም ትካላት ብር 2 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዝግመት ዋጋ ዘለዎም ቀረባት ኣቑሑት ሕክምና ብምልጋሶም ድማ ዶክተር ሊያ ምስጋና ኣቕሪበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.