Fana: At a Speed of Life!

ሰላምን ድሕንነትን ብዘተኣማምን ኩነታት ንምሕላው ብትልሚ እናተመርሐ ተግባራት ፀፅታ እናወገነ ምዃኑ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰላምን ድሕንነትን ሃገር ብዘተኣማምን ኩነታት ንምሕላው ብትልሚ እናተመርሐ ተግባራት ፀፅታ እናወገነ ከምዝኾነ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ገሊፁ

እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ÷ መበል 37 ጉባኤ መራሕቲን መበል 44 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣፈፀምቲን ሕብረት ኣፍሪካ  ብሰላም ንኽዛዘም ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ከምዝገበረ ኣፍሊጡ፡፡

ምድላው ብምግባርን ምውፋር ብምውሳድን ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ዝገለፀ እቲ ግብረ ሓይሊ÷ “እቲ እዋን በዓላት ልደትን ጥምቀትን ዝኽበሩሉ ከምኡ እውን ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝካየደሉ ብምዃኑ፤ ሰላምን ድሕንነትን ብዘተኣማምን ኩነታት ንምሕላው ብትልሚ እናተመርሐ ተግባራት ፀፅታ እናወገነ ይርከብ” ኢሉ።

ጎድና ጎድኒ እዚ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ወፃኢ ንዝነብሩ 2ይ ትውልዲ ኢትዮጵያውያን ብዘቕረቡዎ ፃውዒት መሰረትሳኣጋይሽ ናብ ሃገር ምእታው ብምጅማሮም ሰላምን ፀፅታን ሃገር ብዝግባእ ንምርግጋፅ ዘታማምን ስራሕቲ ፀፅታ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ገሊፁ።

ኣብ ሓይሊታት ልዕሊ ግብረ ራዕዲን ፅንፈኛታትን ዘየዳግም ሕጋዊ ስጉምቲ እናተወሰደ ከምዝኾነ ዘመላኸተ እቲ መግለፂ÷ ርእሰ ከተማ ኣፍሪካ ኣብ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ኣካላት ፀፅታ ብዘካየዱዎ  ዝተዋደደ ኦፕሬሽን ንሕብረተሰብ ስግኣት ዝፈጥሩ ተግባራት ገበን ብልዑል ብርኪ ብምቁፅፃር ሰላማ ዝተረጋገፀ ከተማ ንምፍጣር ዝተጠናኸረ ተግባር ፀፅታ እናተወገነ ከምዝኾነ ኣረጋጊፁ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.