Fana: At a Speed of Life!

ሰላም ንምፅናዕ ደቂ ኣንስትዮ ዘማእኸለ ማሕበረሰብ ሓቆፍ ስራሕቲ ምኽክርን ዕርቀ ሰላምን ምስራሕ ይግባእ – ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰላም ንምፅናዕ ደቂ ኣንስትዮ ዘማእኸለ ማሕበረሰብ ሓቆፍ ስራሕቲ ምኽክርን ዕርቀ ሰላምን ምስራሕ ከምዝግባእ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ገሊፆም።

መርሃ ግብሪ መጀመሪ ክልላዊ ፕሮጀክት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዘማእኸለ ማሕበረሰብ ሓቆፍ ምኽክርን ዕርቀ ሰላምን ተኻይዱ፡፡

ብሓገዝ ፋይናንስ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ፋውንዴሽንን ምኽክርን ቤርጎፍ፣ ማእኸል መፅናዕቲን ምትሕብባርን ብሓባር ከምዝትግበር እውን ተገሊፁ፡፡

ኩለመዳይ ተረባሕነት ሕብረተሰብ ንምርግጋፅ ሕዚ ዝተኸበ ሰላም ህዝባዊ መሰረት ምትሓዝን ዘላቕነቱ ምርግጋፅን ከምዝግባእ ርእሰ ምምሕዳር ኣሻደሊ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተዛሪቦም።

እቲ ፕሮጀክት ደቂ ኣንስትዮ ብምስታፍ ኣብ ሞንጎ ሕብረተሰብ ሓድነትን ምትሕብባርን ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ከምዝሰርሕ ዘለዎም እምነት ገሊፆም፡፡

ኣፈፃሚ ጉዳይ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ዴቪድ ክሪቫንክ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ እቲ ፕሮጀክት ኣብቲ ክልል ኣብ ዞባ መተከል ብሜላ ብዝሃ ኣተገባብራ ዝትግበር ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.