Fana: At a Speed of Life!

“ሰላም ንንግዲ፣ ንግዲ ንሰላም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ልዝብ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ማእኸል ናይ ውልቀ ኢንተርፕራይዛት “ሰላም ንንግዲ፣ ንግዲ ንሰላም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ልዝብ ተኻይዱ፡፡

ኣብ ሚኒስቴር ሰላም ሚኒስትር ዲኤታ ዘፈር ህንፀት ሰላምን ብሄራዊ ምርድዳእን ታየ ደንዳኣ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ፥ ሰላም ኣብ ውሽጢ ሃገር መዋእለ-ንዋይ ንምፍሳስን ንውፅኢታዊነት ማሕበረሰብ ንግዲን መሰረታዊ ጉዳይ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ሚኒስቴር ምስ ኮሚሽን ብሄራዊ ምኽክር ሓዊሱ ምስ ብዙሓት መዳርግቲ ኣካላትን ማሕበረሰብ ንግዲን ኣብ ብሄራዊ ምርድዳእን ህንፀት ሰላምን ተዋዲዱ እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ተወከልቲ ትካላት ንግዲን ተወከልቲ ማሕበረሰብን ኣብ ዓውዲ ንግዲን ኢንቨስትመንትን እናጋጠሙ ዝርከቡ ፈተናታትን ቀፃሊ ኣንፈትን ዘርኢ ፀብፃብ ኣቕሪቦም፡፡

ተወከልቲ ትካላት ንግዲን ማሕበረሰብ ንግዲን ክልላት ትግራይ፣ ዓፋር፣ ኦሮሚያ፣ ሶማሌን ኣምሓራን ኣብቲ መድረኽ ዘተ ተሳቲፎም፡፡

ብሄራዊ ኮሚሽን ምኽክር ሓደ ተሳታፋይ እቲ ዘተ ከምዝነበ እውን ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.