Fana: At a Speed of Life!

ሰሜን ኮሪያ ተወሳኺ ናይ ስለላ ሳተላይት ንምሕምባብ ከምዝሃቀነት ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢሲ)ሰሜን ኮሪያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 27 ግንቦት 4 ሰነ ኣብ ዘሎ ግዘ ተወሳኺ ናይ ስለላ ሳተላይት ንምሕምባብ ከምዝሃቀነት ንጃፓን ኣፍሊጣ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ፈላማይ ሳተላይት ስለላ ከምዘሕምበበትን ብሰፊሑ ከምዝኾነነትን ይዝክር፡፡

መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፒዮንግያንግ ኣብዚ ዓመት ተወሰኽቲ ሰለስተ ሳተላይታት ስለላ ከምተሕምብብ ገሊፆም ነይሮም፡፡

እታ ሃገር ንምዝማን ዝሓዘቶ መርሃ ግብሪ ክቕፅል ብምግባር ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ዝለዓለ ፈተነ ኣፅዋር ገይራ ኢያ።

ሰብ ሞያ ከምዝብሉዎ፤ እተን ናይ ስለላ ሳተላይታት ነታ ሃገር ዝጠቕሙ ኢዮም ዝተብሃሉ ሓበሬታታት ዝእክባ እንትኾና ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ኮሪያን ዝኾነ ይኹን ወታደራዊ ጎንፂን ወሰንቲ ሓበሬታታ ዝህባ ከምዝኾና ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.