Fana: At a Speed of Life!

ሰሜን ኮሪያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንኻልኣይ ግዘ ሚሳኤል ከምዘወንጨፈት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣29 ሚያዝያ፣2014 (ኤፍ ቢሲ)ሰሜን ኮሪያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንኻልኣይ ግዘ ሚሳኤል ከምዘወንጨፈት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ደቡብ ኮሪያ ኣፍሊጦም።

ሰሜን ኮሪያ ዝገበረቶ ፈተነ ኣብ ዘለናሉ ዓመተ ፈረንጂ ንመበል 15 ግዘ ዝተገበረ ፈተነ ከምዝኾነ ዮንሃፕ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መወዳእታ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተገበረ ወተሃደራዊ ምርኢት መራሒ ሰሜን ኮሪያ ኪም ጆንግ ኡን፥ ምምዕባል መሳርሒ ኲናት ኒውክሌር ከምዘቐፅሉን ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ሃገሮም ንምክልኻል ኣብ ረብሓ ከምዘውዕሉ ምግላፆም ይዝከር።

እቲ ሐዚ ዝተፈተነ ሚሳኤል ዓትነቱ እንዘይተገለፀ እውን ርሑቕ ዘውንጨፍ ሚሳኤል ከምዝኾነ ኣር ቲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.