Fana: At a Speed of Life!

ልኡኽ ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን ሴናተር ክሪስ ኩንስ ኣብ ኢትዮጵያ ዓቢዪ ለውጢ ከምዝህሉ ኣመላኺቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ልኡኽ ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን ኮይኖም ናብ ኢትዮጵያ መፂኦም ዝነበሩ ሴናተር ክሪስ ኩንስ ኣብ ኢትዮጵያ ዓቢዪ ለውጢ ከምዝህሉ ዘመላኽቱ ኩነታት ምህላዎም ገሊፆም።
ኣብ ትግራይ ክልል ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኽዛጠዩ ብፕሬዚዳንት ጆ ባይደን ዝተለኣኹ እቶም ሴናተር፥ ውፅት ጉዕዞኦም ኣመልኪቶም ትማሊ ንሴኔት ኣቕሪቦም።
እቶም ሴናተር ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ካልኦት ሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝነበሮ ፃንሒት ፅቡቕ ከምዝነበረ ብምግላፅ ምስጋና ኣቕሪቦም።
ጉዕዞኦም ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ዓቢዪ ምምሕያሽ ከምዘሎ ዝተዓዘቡሉ ኣዚዩ ወሳኒ ጉዕዞ ከምዝነበረ እውን ኣብሪሆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕ ድሉውነት ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም ሴናተር፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቦም ዝሃቡዎ መብርሂ ቆራፅነት መንግስቲ ዘርኢ ከምዝኾነ ከምኣብነት ኣልዒሎም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ዘሎ ውጥጥ ዶብን ጉዳይ ድርድር ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ብድርድር ንምፍታሕ ዘለዋ ድሉውነት ብዝምልከት እውን ናእደኦም ገሊፆም።
ቀፃልነት ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ምግባር፣ እቲ ጎንፂ ንምፍታሕን ዝቕፅል ሃገራዊ መረፃ ፍትሓዊ ንኽኸውን እናተሰርሐ ዘሎ ስራሕ ተስፋ ዝህብ ከምዝኾነ ከምዝተዓዘቡ እውን ተዛሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
ይግበሩ/ራ!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.