Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ቁልፊን ፈላማይን ክብሩ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዘብዒ ምዃን ኢዩ- ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ቁልፊን ፈላማይን ክብሩ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዘብዒ ምዃን ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር ኣፍሊጡ።

ዩ ኤስ ኤ አይ ዲ (USAID) ኣብዚ ሰሙን ኣፃርየ ኢሉ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ መግለፂ፥ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝመፅአ እኽሊ ምስ ካልኦት ኣካላት መንግስቲ ብምዃን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ከምዝተጠቐመ ብምግባር ኣቕሪቡ ኢዩ ኢሉ።

እቲ ዝወፅአ ፀብፃብ እውን ዝተፈላለያ መራኸብቲ ሓፋሽ ከም ዝፀብፀብኡ ኣብቲ መግለፂ ሓቢሩ።

ይኹን እንበር ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብልዑል ዲስፕሊን ዝምራሕ ዘመናዊ ሰራዊት እዩ ዝበለ እቲ መግለፂ፥ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዝግበረሎም ወገናት  ዝምንጥል ዘይኮነስ ካብ ምግቡ ነክዩ ዘካፍል ሰራዊት ክምዝኾነ ኣፍሊጡ።

እዚ ድማ ኣብ ዜጋታቱ ጥራሕ ዘይኮነስ ብልኡኽ ምኽባር ሰላም ኣብ ዝተዋፈረሎም ኣህጎራዊን ዓለም ለኻዊን ከባቢታት ኩሎም ዕለታዊ ተግባሩ ከምዝኾነ እቶም ህዝብታት፣ መንግስታትን መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላትን ዝፈልጥዎ ህዝባዊ ሰራዊት ኢዩ ኢሉ እቲ መግለፂ።

ኢትዮጵያ ንሰራዊታ ቀለብን ደመወዝን እትህብ ፈላመይትን ነፃን ታሪካዊት ሃገር ምዃና እውን ሓቢሩ።

ንዝተፀገሙ ሰባት ዝመፅአ ስርናይ ዘይመናጠል ፕሮፌሽናልን ኩሩዕን ሰራዊት ኢዩ ዘለና ዝበለ እቲ መግለፂ፥ ስርናይ ሓገዝ ዝጥቀም ትካል ወይ ዩኒት ወይ ወተሃደር የብልናን ክብል ኣረጋጊፁ።

ዩኤስኤአይዲ ብመሰረት ዝሃቦ መግለፂ ምናልባሽ ኣባል ምክልኻል ሃገር ዝኾነ ወተሃደር ኣብ ዘይምልከቶ ኣትዩ ካብ ሕጋዊ ሰንሰለት እዚ ወፃእ ብዝኾነ፥ ኣሰራርሓ ምኽባር ህጊ ተጠቒሙ ምስ ጎሓልቲ ብምትሕብባር ናይ ሓገዝ እኽሊ ተሰሪቑ ንክወፅእ ብውልቀ ዝተሓባበረ እንተሃሊዩን ተፃሪዩ እንተተረኺቡን ድማ ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘየዳግም ስጉምቲ ክውሰድ እዩ ክብል ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.