Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንምሕጋዝ መበል ካልኣይ ዙር ሰብ ሞያ ሕክምና ኣዲስ ኣበባ ናብቲ ከባቢ ኣምሪሖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንምሕጋዝ መበል ካልኣይ ዙር ሰብ ሞያ ሕክምና ኣዲስ ኣበባ ናብቲ ከባቢ ኣምሪሖም።

እቶም ሰብ ሞያ ካብ ዝተፈላለዩ ሆስፒታላት ዝተውፃእፅኡ እንትኾኑ፥ ቁፅሮም ልዕሊ 60 ሰብ ሞያታትን ድጋፍ ወሃብቲ ኣምቡላንሳትን ዘካተተ ኢዩ።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ዮሐንስ ጫላ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እታ ከተማ ነቶም ሰብ ሞያ ሕክምና ሰኒየምዎም።

ፃውዒት ሃገር ብምቕባል ነቲ ሰራዊት ብሞየኦም ብምሕጋዝ ድሉዋት ከምዝኾኑ ዝገለፁ እቶም ሰብ ሞያ ሕክምና፥ በዚ ድማ ሕጉሳት ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀዳማይ ዙር 48 ሰብ ሞያ ሕክምና ሰራዊት ምክልካል ሃገር ኣብ ምሕጋዝ ከምዝርከቡ ካብ ፕሬስ ሴክሬተሪያት ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረደእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.