Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት እናወሰዶ ብዝርከብ ዝተጠናከረ ስጉምቲ ሰላም ምርግጋፅ ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል እናወሰዶ ብዝርከብ ዝተጠናከረ ስጉምቲ ሰላም ምርግጋፅ ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ።

ኣብ ዝተፈከላለያ ዞባታ ብሕቡእ ተወዲቦም ኣብ ልዕሊ መንግስታዊን ህዝባዊን ትካላት ዕንወትን ዘረፋን ኣብ ልዕሊ ነባሪ ምቕታልን ምዕጋትን እናፈፀሙ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኣኽረርቲ ሓይሊታት ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ኣዋርሕ ብዝተወሰደ ስጉምቲ ከምዝተደምሰሱ ኣዛዚ እቲ እዚ ሜጀር ጀኔራል ብርሃኑ ጥላሁን ተዛሪቦም።

እቲ እዚ÷ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝርከቡ ከንቲባ ምምሕዳር ዞባታት፣ ሓለፍቲ ቢሮ ፀፅታ ከምኡ እውን ምስ ላዕለዎት ወታደራዊ ኣመራርሓ እቲ እዚ ተዛቲዩ፡፡

ቅድሚ ሕዚ እዞም ፅንፈኛ ሓይሊታት ዝተፈጠረ ምቹው ኩነታት ተጠቒሞም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዙሓት በደላት ከምዝፈፀሙ ኣብቲ እዋን ዘተ ተሓቢሩ፡፡

ይኹን እምበር እቶም ፅንፈኛ ሓይሊታት ብዝተዋደደ ምውፋር ሰራዊት ምክልኻልን ሓይሊታት ፀፅታ እቲ ከባቢን ዓካዓካሪቶም ተወቒዑ ስግኣት ናብ ዘይኾኑሉ ብርኪ ከምዝበፅሑ ምግላፁ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረደእ፡፡

ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ቀጠና ዝርከብ ሸኔ ይኹን ጉጅለ ፅንፈኛታት ልዕሊ ዓቕሚ ሓይሊታት ፀፅታ ከምዘይኮኑ ኣብሪሆም።

እቲ ቀንዲ ፀገም ቆራፅነትን ኣብ ውሽጢ ተመሳሲሉ ዝጓዓዝን ፀላኢ ፈሊኻ ስጉምቲ ዘይምውሳድን ከምዝኾነ እውን ፀሪሖም።

ኣብ ቀፃሊ እዞም ኣብ ውሽጢ ዝርከቡ ናይ ህዝቢ ፀላእቲ ብምፍላይ ስጉምቲ ብምውሳድ ፍልፍል ኣታዊ ፀላእቲ ብምድራቕ ዘተኣማምን ፀፅታ ንምዕሳል ከምዝሰርሑ እውን ገሊፆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.