Fana: At a Speed of Life!

ሰር ጂም ራትክሊፍ 25 ሚኢታዊ ብፅሒት ማንቼስተር ዩናይትድን ዓዲጎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) እንግሊዛዊ ቢሊየነር ሰር ጂም ራትክሊፍ 25 ሚኢታዊ ብፅሒት ማንቼስተር ዩናይትድን ዓዲጎም።

ማንቼስተር ዩናይትድን ብ790 ሚሊየን ዩሮ ዝዓደጉ ስድራ ግሌዘር ቅድሚ 13 ኣዋርሕ ብፅሒት እቲ ጋንታ ንምሻጥ ጨረታ ምውፅኦም ይዝከር።

ብመሰረት እዚ እንግሊዛዊ ቢሊየነር ሰር ጂም ራትክሊፍ 25 ሚኢታዊ ከምዝዓደጉ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ኩባኒያ ራትክሊፍ ኢኔዮስ ግሩፕ ስራሕቲ ምምሕዳር ማንቼስተር ዩናይትድ ክርከብ ኢዩ ተባሂሉ።

እቶም ወዲ 71 ዓመት ቢሊየነር ስራሕቲ ምምሕዳር እቲ ጋንታ ንምዝማን  ልዕሊ 300 ሚሊየን ዶላር ኢንቨስት ከምዝገብሩ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

በዚ ድማ ማንቼሰተር ዩናይትድ ዘለውዎ ምምሕዳራዊ ቅልውላዋት ከመሓይሽዎ ከምዝኽእሉ ልዑል ግምት ተነቢሩሎም ኣሎ።

ማንቼስተር ዩናይትድ ድሕሪ 2013 ዓ.ም.ፈ ፅዋዕ ፕሪሚየርሊግ ምልዓል ዘይከኣለ ጋንታ እንትኸውን፥ ደገፍቲ እቲ ጋንታ ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካዊያን ስድራ ግሌዘር ተቓውሞኦም ከስምዑ ፀኒሖም ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.