Fana: At a Speed of Life!

ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና መርከባት ቱርኪ ናብ ሊቢያ ኣትየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና ክልተ መርከባት ቱርኪ ናብ ሊቢያ ኣትየን።

እተን መራኽብ 360 ደገፍ ዝህቡ ሰባትን 122 ተሽከርከርቲን ዘሳፈራ ከምዝኾና ተሓቢሩ።

ብሄራዊ ሚኒስቴር መክልኻል ሃገር ቱርኪ ከምዝበሎ፥ እቶም ሰባት ሰራሕተኛታት እዋን ሓደጋ፣ ሰብ ሞያ ጥዕናን ካልኦት ደገፍ ዝህቡ ሰባትን ኢዮም።

ነቲ ደገፍ ንምስላጥ ዝሕግዛ ኣምቡላንስን ካልኦት 122 ተሽከርከርቲን አውን ከመዝተልኣኻ እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

ሰለስተ ሆስፒታላት ብምጥያሽ እቲ ስራሕቲ ድጋፍ ከምዝፍፀም ምግላፁ ኣናዶሉ ፀብፂቡ።

በቲ ኣብ ሊብያ ዘጋጠመ  ዕልቕልቕ ውሕጅ ኣስታት 11 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ ቀይሕ ወርሒ ዝተባህለ ገባር ሰናይ ማሕበር ምፍላጡ የዝከር።

ካልኦት 20 ሽሕ ሰባት ድማ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ብሰንኪ’ቲ ንገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ዘዕለቕለቐ ህቦብላ “ዳኒዴል” ዝፈረሰ ክልተ ዲጋታት ንከተማ ደርና ብምዕልቕላቑ ሰፊሕ ዕንወት ኣውሪዱ ኢዩ።

ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝወፅኡ ካብ ኣባይቶም ተፈናቒሎም ተፀበይቲ ህፁፅ ሰብኣዊ ደገፍ ኮይኖም ኣለዉ።

ትካላት ምድሓን ህይወት፥ ሬሳታት ናይቶም ብውሕጅ ናብ ባሕሪ ተፀሪጐም ዝተወስዱ ግዳያት ንምውፃእ ኣብ ህፁፅ ስራሕ ተፀሚዶም ይርከቡ።

ኣቐባሊ ቃል ቀይሕ ወርሒ ኣብ ደርና ሳልም ኣል-ናዓስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፥ “ኣስታት 2000 ሬሳታት ኣብ ባሕሪ ኣትዩ ኣሎ” ኢሉ።

ሓያል ፀፍዒ ባሕሪ ነቲ ሬሳታት ናብ ገማግም ሻሓት፣ ማርጡባን ማርዛምን ይገፍዖ ምህላዉ’ውን ሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.