Fana: At a Speed of Life!

ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና 47 ተሽከርከርቲ ካብ ሰመራ ናብ መቐለ ፅባሕ ክጎዓዓዛ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ንትግራይ ዝኸውን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና 47 ተሽከርከርቲ ካብ ሰመራ ናብ መቐለ ፅባሕ ክጎዓዓዛ ኢየን ክብል ብሄራዊ ኮሚሽን ሓደጋን ድልውነትን ኣመራርሓ ስራሕን ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣይተ ምትኩ ካሳ፥ ብፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ካልኦት ዓለም ለኻዊ ትካላት ረዲኤትን ኣቢሉ ኣቕርቦት ምግብን ምግቢ ተንከፍን ናብ መቐለ ንክጉዓዓዝ መንግስቲ ኩነታት ከምዘጠዓዓመ ኣዘኻኺሮም።

ብመሰረት እዚ 7 ሺሕን 649 ኩንታል ኣቕርቦት ምግቢ ዝፀዓና 47 ተሽከርከርቲ ካብ ሰመራ ናብ መቐለ ፅባሕ ክጎዓዓዛ ኢየን ኢሎም።

ዝተረፋ ተሽከርከርቲ ድማ 7 ሺሕን 300 ኩንታል መግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ናውቲታት ከምዝፀዓና እቶምክ ኮሚሽነር ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ብሚኒስቴር ግብርና ኣቢሉ ስራሕቲ ግብርና ንምቅልጣፍ 10 ሺሕን 359 ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ብ12 ተሽከርከርቲ ንምጉዕዓዝ ዝቐረበ ሕቶ ፍቓድ ከምዝተውሃበ ሓቢሮም።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ካልኦት ዓለም ለኻዊ ትካላት ረዲኤትን ብቐጥታ በረራ ብምግባርን ካብ ነፈርቲ ብምድርባይን ሓገዝ ናይ ምቕራብ ሕቶ ከምዘለዎም ኣብሪሆም።

ይኹን እንበር እቲ ሕቶ ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ሓቢሮም።

ብነፈርቲ ምጉዕዓዝ ብምግባር ሉእላውነት ዝጥሕስ ተግባር ከምዘይፍቀድ እውን ገሊፆም።

ክሳብ ሐዚ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተገበረ ደገፍ 70 ሚኢታዊ መነግስቲ 30 ሚኢታዊ ድማ ሓገዝ ዝህቡ መሻርኽቲ ትካላት ከምዝተሸፈነ ይዝከር ክበል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.