Fana: At a Speed of Life!

ሰብ ሃፍቲ ብራዚል ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢንቨስት ንክገብሩ ዘኽእል ሰምምዕነት ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ሃፍቲ ብራዚል ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢንቨስት ንክገብሩ ዘኽእል ሰምምዕነት ተፈፂሙ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ኣክሊሉ ታደሰ መስ ኣምባሳደር ብራዚል ኣብ ኢትዮጵያ ጃንዲር ፌሬራ ዶሳንቶስ ዘቲዮም።

ከልቲአን ሃገራት ንብዙሕ ዓማውቲ ዝፀንሐ ርክብ ከምዘለወን ብምግላፅ፥ ዘለወን ርክብ ብኢንቨስምንተን ካልኦት ዓውዲታት ልምዓትን ንከጠናኽርኡ ዘኽእል ዘተ ኣካይዶም።

ሰብ ሃፍቲ ብራዚል ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢንቨስት ንክገብሩን ኣፍረይቲ ኩባኒያታት ፍሪያተን ናብ ዕዳጋ ብራዚል ንከቕርባን ዘኽእል ምትእስሳር ዕዳጋ ንምፍጣር ተስማዕሚዖም።

ኢትዮጵያ ብዓውዲ ኣግሮፕሮሰሲግ ዓቕሚ ከምዘለዋ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፥ ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ብራዚል ዘሎ ተመክሮ ንክወስዱ ብዘኽእል ከምዝዋፈሩ ኣረጋጊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.