Fana: At a Speed of Life!

ሰብ ሃፍቲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ንኸፍስሱ ይስራሕ ኣሎ – ኣምባሳደር ዣዎ ዢዩኣን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ሃፍቲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ንኸፍስሱ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዣዎ ዢዩኣን ገሊፆም።

ፎረም ማሕበራዊ ሓላፍነት ኩባንያታት ቻይና÷ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ተወከልቲ ኤምባሲ ቻይናን ኣመራርሓ ኢንተርፕራይዛትን ኣብ ዝተረኸቡሉ “ምትሕብባር ቻይና- ኢትዮጵያ ንቀፃላይ ሓበራዊ ተረባሕነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብኣሰናዳእነት ቤት ምኽሪ ንግዲ ቻይና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዣዎ ዢዩኣን ኣብቲ ፎረም÷ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕ ዝርከቡ ኩባኒያታት ቻይና ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ብዕዙዝ ማሕበራዊ ሓላፍነቶም ንምውፃእ ቁርፀኛ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

እቲ ፎረም 10ይ በዓል ምስረታ መርሃ ግብሪ ቤልት ኤንድ ሮድ ኣብ ዝኽበረሉ እዋን ዝካየድ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ቻይናን ኢትዮጵያን ብስትራቴጂያዊ ምሕዝነት ኣብ ዘካየዱዎም ሓበራዊ ፃዕሪታትን ምጣነ ሃፍታዊ ዓውዲታት ልምዓት ጭቡጥ ለውጢታት ከምዝተመዝገቡ ገሊፆም፡፡

“ኢንተርፕራይዛት ቻይና ኣብ ዝተዋፈሩሎም ቦታታት ንሓለዋ ከባቢ ግቡእ ትኹረት ብመሃብን ንነበርቲ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ለውጢ ዝግበኦም ኣብ ምውፃእ ትፅት ዝግበረሎም ምሕዝነቶም ከቐፅሉ ኢዮም” ክብሉ ገሊፆም።

ብወንደሰን ኣረጋኸኝ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.