Fana: At a Speed of Life!

ሰፊሕ ከባቢታት ደቡብ ሱዳን ብማይ ከምዝተዕለቕለቐ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ምስ ፈለግ ናይል ዝዋሰን ሰፊሕ ከባቢታት ደቡብ ሱዳን ብማይ ከምዝተውሓጠ ኣብታ ሃገር ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ኣላይን ኖደሁ ኣፍሊጦም።

በቲ ዕልቕልቕ ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ሕቡራት ሃገራት ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ዝመፅእ ሰሙን ቁፅሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ከምዝውስኽ እቶም  ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ገሊፆም።

ቅድም ክብል ብምኽንያተ ጎንፂ ተመዛቢሎም ዝነበሩ ሰባት ሕዚ እውን ደጊሞም ከምዝተመዛበሉ እውን ተዛሪቦም።

ብፍላይ ኣብ ዞባ ጆንግለይ እቲ ጉድኣት ዝሓየለ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ትካላት ረድኤት ህፁፅ ሓገዝ ይሓቱ ከምዘለዉ ድማ ተገሊፁ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ካብ ንቡር ንላዕሊ ክዘንብ ዝፀንሐ ዘየቋርፅ ከቢድ ዝናብ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት የውርድ ምህላዉ ይፍለጥ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.