Fana: At a Speed of Life!

ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጉዳይ ዶብ ብዲፕሎማሲያዊን ብዘተን ንኽትፈትሕ ደቡብ ሱዳን ኣተሓሳሲባ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጉዳይ ዶብ ብዲፕሎማሲያዊን ብዘተን ንኽፈትሕ ኣተሓሳሲቦም።

ፕሬዚዳንት ሳልቫኪር ኣብ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ኣባል ብዝኾኑ ሻምስ ል ዲን ካባሺ ዝተመርሐ ልኡኽ ናብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።

ኣብዚ እዋን ድማ ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ኣድሂቦም ልዝብ ኣካይዶም።

እቶም ፕሬዚዳንት፥ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጉዳይ ዶብ ብዲፕሎማሲያዊን ብዘተን ንኽትፈትሕ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝኾነ ይኹን ኲናት ኣየድሊን ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት፥ ጉዳይ ዶብ እተን ሃገራት ብሰላማዊ መገዲ ክፈትሓ ኣለወን ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.