Fana: At a Speed of Life!

ሱዳን ካብ መዝገብ ግብረ ራዕዲ ንክትወፅእ ምስ ኣሜሪካ ትሸማገል ከምዘላ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ሱዳን ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣሜሪካ ንምዝርራብ ላዕለዎት ልኡኻት እታ ሃገር ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከም ዝለኣኸት ኣፍሊጣ።

ሱዳን ኣብ መዝገብ ኣመሪካ “ንግብረ ራዕዲ ድጋፍ ትገብር እያ” ብዝብል ስማ ኣብ መዝገብ ኣሜሪካ ሰፊሩ ዝርከብ እንትኸውን፥ ካብ’ቲ መዝገብ ክትወፅእ እያ ትፅዕር ዘላ ተባሂሉ።

ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ነበር ኣልበሽር ዝመርሕዎ ዝነበረ መንግስቲ ሱዳን ምስ ኣመሪካ ዝነበሮም ርክብ ሓርፋፍ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ሱዳን ግን ኣመሪካ ካብ’ዚ መዝገብ ክትስርዞ ተስፋ ገይሩ’ሎ ተባሂሉ።

ሱዳን ሽማ ኣብ’ቲ መዝገብ ብምስፋሩ፥ ናይ ዕዳ ስረዛ ክትረክብን ዓለማዊ ወፍሪ ክትስሕብን ኣፀጊሙላ እዩ ነይሩ።

ስለ ዝኾነ ካብ’ቲ መዝገብ እንተደኣ ተሰሪዛ ዓለማዊ ልቓሕን ወፍርን ክትረክብ ከምእትኽእል ተገሊፁ።

ኣመሪካ ድማ ሱዳን ካብ’ቲ መዝገብ ክትወፅእ እትኽእል፥ ንስድራ ኣመሪካውያን ግዳያት ግብረ ራዕዲ 330 ሚሊየን ዶላር ምስ ከፈለት እዩ ትብል።

ብተወሳኺ ምምሕዳር ፕሬዚዳንት ትራምፕ ሱዳን ምስ እስራኤል ዘለዋ ርክብ ክተመሓይሽ ኣለዋ ይብል።

ኣመሪካ ንሱዳን ኣብ መዝገብ ግብረ ራዕዲ ዘእተወታ ከምኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ብ1993 ዓ.ም እንትኸውን፥ ንመራሒ ኣል-ቃዒዳ ኦሳማ ቢን ላደን ሓዊሱ ንኣሸበርቲ ትድግፍ እያ ብዝብል እዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.