Fana: At a Speed of Life!

ሳልሳይ ዙር ምልኢት ማይ ግድብ ህዳሰ ብዓወት ምዝዛሙ ኢትዮጵያ ህንፀት እቲ ግድብ ኣይትዛዝምን ንዝብሉ ወገናት መልሲ ዝሃበ ኢዩ – መሓመድ ኣል ኣሩሲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሳልሳይ ዙር ምልኢት ማይ ግድብ ህዳሰ ብዓወት ምዝዛሙ ኢትዮጵያ ህንፀት እቲ ግድብ ኣይትዛዝምን ንዝብሉ ወገናት መልሲ ዝሃበ ከምዝኾ ተኻታዒ ህንፀት ግድብ ኣባይ መሓመድ ኣል ኣሩሲ ገሊፆም።

ኣል ኣሩሲ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝሓበሩዎ÷ ምዝዛም 3ይ ምልኢት ማይ እቲ ግድብ ንዘበናት ዝፀንሐ ድሌት ምልማዕ ኢትዮጵያ ጋህዲ ምዃኑ ዝተረጋገፀሉ ኢዩ፡፡

ምልኢት ምዝዛሙ መርኣያ ውፅኢት ሓበራዊ ፃዕሪ ከምዝኾነ እውን ገሊጾም፡፡

ግድብ ህዳሰ ካብ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ተፋሰስ ሃገራትን ኣፍሪካን ተረባሕቲ ዝገብር ዓብዪ ፕሮጀክት ከምዝኾ ኣብሪሆም፡፡

ምዝዛም ምልኢት ማይ ብዓወት ምዝዛሙ ኢትዮጵያ እቲ ግድብ ክትዛዝም ኣይትኽእልን ንዝብሉ ወገናት መልሲ ዝሃበትሉ ኢዩ ዝበሉ ኣል ኣሩሲ÷ “ኢትዮጵያ ፈተናታት ብምሕላፍ ነቲ ግድብ ኣብ ረብሓ ክተውዕል ከምትኽእል ብተግባር ኣርኢያ ኢያ ኢሎም፡፡

ብከድር ሁሴን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.