Fana: At a Speed of Life!

ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ምህዞን ንሃገራዊ ምዕባለ ወሳኒ ግደ ኣለዎም – በለጠ ሞላ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ምህዞን ንሃገራዊ ምዕባለ ወሳኒ ግደ ኣለዎም ክብሉ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን  በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ገሊፆም።

“ኣብ ኢትዮጵያ መፅናዕቲን ምርምርን ዘለሉ ብርኪ፣ መልክዕን ተስፋታትን” ብዝበል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዘተ ኣብ ሚዚየም ሳይንስ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን  በለጠ ሞላ (ዶ/ር)፣ ተመራመርቲን ካልኦት መዳረግቲ ኣካላትን ተረኺቦም።

በለጠ ሞላ (ዶ/ር)፥ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ምህዞን ንሃገራዊ ምዕባለ ወሳኒ ግደ ኣለዎም ክብሉ ገሊፆም።

ፍሪያት ኢንዱስትሪ ክብ ብምባል፣ ሓደሽቲ ኢንዱስትሪታት ብምፍጣርን ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ዘሎ መንፈስ ተወዳዳሪነት ብምምሕያሽን ምዕባለ ኢኮኖሚ ንክህሊ ኣስተዋፅኦ ከምዝገብሩ ምዝራቦም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.