Fana: At a Speed of Life!

ስልጠና ተሃድሶ ንዝዛዘሙ ነበር ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣቀባብላ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ኣባልት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ዝነበሩ ዝተውሃቦም ስልጠና ተሃድሶ ወሲዶም ንዝዛዘሙን ኣብ ከተማ ደሴን ዞባ ደቡብ ወሎን ንዝተመደቡ ኣባላት ፀፅታ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ኣካቢ ኮማንድ ፖስት ከተማ ደቡብ ወሎን ደሴን ብርጋዴል ጀኔራል ዘውዱ ሰጥኣርጌ፣ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ወሎ ኣሊ መኮንን፣ ምከትል ተቐዳሚ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ደሴን ካልኦት ኣመራርሓን ተረኺቦም፡፡

ምክትል ተቐዳሚ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ደሴ ሳሙኤል ሞላልኝ፥ ኣመራርሓን ኣካላት ፀፅታን ሕቶታት ህዝቢ ንምፍታሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም።

ሕቶታት ህዝቢ ንምምላስ ኲናት ዘይኮነ ሰላም፣ ዘተን ዝርርብን ኣማራፂ ብምግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ከተማ ደሴን ዞባ ደቡብ ወሎን ብሓባር ብምዃን ብዛዕባ ሰላም ንዝግበር ወፍሪ ብሓባር ክሰርሑ ከምዝግባእ እውን እቶም ምክትል ከንቲባ ኣገንዚቦም።

ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ወሎ ኣይተ ዓሊ መኮንን ብግደኦም፥ ህዝቢ ኣምሓራ ሕጊ ዘኽብር፣ ሃገር ዝሕሉ፣ ንኢትዮጵያ ዝቃለስ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

“ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝተፈላለዩ ፀገማት ኣጋጢሙዎ ኢዩ፤ እዚ ንፈትሖ ብሓባር ብምምይያጥን ብምርድዳእን ኢዩ” ክብሉ ምግላፆም ካብ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣካቢ ኮማንድ ፖስት ከተማ ደቡብ ወሎን ደሴን ብርጋዴል ጀኔራል ዘውዱ ሰጥኣርጌ፥ ስልጠና ተሃድሶ ዝወሰዱ ነበር ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ምስ ሰራዊት ምክልኻ ብምዃን ሰላም ሃገር ከምዝሕልዉ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.