Fana: At a Speed of Life!

ስምምዕ ምቁራፅ ተዂሲ ተፃባእቲ ሓይሊታት ሱዳን ንሓሙሽተ መዓልቲ ተናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፃባእቲ ወገናት ሱዳን ኣብ ጅዳ ብመንጐኝነት ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን ንሓደ ሰሙን ዝፀንሕ ስምምዕ ምቍራፅ ተዅሲ ንሓመሽተ መዓልታት ክቕፅል ከምዝተሰማምዑ ሸምገልቲ ሃገራት ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን ኣብ ዘውፀአኦ ሓባራዊ መግለፂ ኣፍሊጠን።

እተን ሃገራት ኣብ መግለፂአን፥ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት እቲ ስምምዕ ምቍራፅ ተዅሲ ንሓደ ሰሙን ክናዋሕ ምስምማዖም ብሓጐስ ከምዝተቐበላኦ ብተወሳኺ ኣፍሊጠን።

ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ምቍራፅ ተዅሲ ከምቲ ኣብ ውዕል ዝሰፈረ ከምዘይተተግበረ ብምግላፅ ብውሕዱ እቲ ስምምዕ ተዛማዲ ህድኣት ብምፍጣሩ ንክልተ ሚልየን ሱዳናውያን ሰብኣዊ ረድኤት ንኽበፅሖም ከምዘኽኣለ ሓቢረን።

እቶም ኣብ ውግእ ኣትዮም ዘለዉ ወገናት ንውዕል ጅዳ ኣብ ምጥሓስ ንሓድሕዶም’ዮም ክካሰሱ ፀኒሖም ከብል ቢቡሲ ፀብፂቡ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብግድኡ፥ እቲ ብ15 ሚያዝያ ዝጀመረ ውግእ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብተዛማዲ ሃዲኡ ስለዝነበረ ንነበርቲ ናይታ ማእኸል ግጭት ዘላ ካርቱም ውግእ ካብ ዝጅምር ንመጀመርታ ግዜ ረድኤት ከብፅሓሎም ከምዝኽኣለ ተሓቢሩ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.