Fana: At a Speed of Life!

ስሩዕ ኣኼባ ምልዓተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስሩዕ ኣኼባ ምልዓተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ስሩዕ ኣኼቡኡ ከምዝዛመ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ጉባኤ ብዛዕባ እታ ቤተክርስቲያን መንፈሳዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ጉዳያታት እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ውሳነ ምሕላፉ ገሊፁ።

ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ቤተክርስቲያንን እናጋጠመ ዝርከብ ፀገምን ፈተናን ንኽውገድ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ብሓድነትን ብሕብረትን ከከምእምነቶም ናብ ፈጣሪ ፀሎት ብምግባር ከምዝኾነ እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ መግለፂኡ ኣመልኪቱ።

ውሽጣዊ ፀገም እታ ቤተክርስቲያን ቀኖና ቤተክርስቲያን ብዝሓለወ መልክዑ ብልዝብ ንኽፍታሕ ኢሉ እውን ደጋዊ ፀገማት ምስ ዝምልከቶም መንግስታዊ ትካላት ብምዝርራብ ንምፍታሕ ከምዝስራሕ እውን ተፀሪሑ፡፡

ብዛዕባ ሰላም ኢትዮጵያን ሓድነት ቤተክርስቲያንን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያናት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኩለን ካብ 15 ሕዳር 2016 ክሳብ 27 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ብፀሎትን ምህለላን ንኸሕልፉ ከምዝተወሰነ ተገሊፁ።

ምእመናን እውን ኣብ ዝተፀርሑ መዓልቲታት ኣብ ቀፅሪ ቤተክርስቲያን ብርካብ ተሳተፍቲ እቲ ፀሎት ንኽኾኑ እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ውሳነ ምሕላፉ ኣፍሊጡ።

ብቅድስት ብርሃኑ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.