Fana: At a Speed of Life!

ስራሕቲ ልምዓት ዕድል ፈጠራ ስራሕን ክእለትን ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ስብራት ክሕክሙ ይግባእ – ወ\ሮ ሙፈሪሃት ካሚል

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕድል ፈጠራ ስራሕን ክእለትን ስራሕቲ ልምዓት ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ስብራት ክሕክሙ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ሚኒስተር ስራሕን ክእለትን ወ\ሮ ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን፡፡

“ኢትዮጵያ ኣብ ሓዱሽ ምዕራፍ፣ ኣብ ሓሻብ ኣተሓሳስባ  ትርከብ” ዝበላ እተን ሚኒስትር፥ እዚ ሓዱሽ ኣተሓሳስባ ንምጭባጥ ዘኽእል ስልጠና ብኣዳላውነት ሚኒስቴር ሰስራሕን ክእለትን ካብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዝተውፃእፅኡ ዲናት ፖሊ-ቴክኒክ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ስልጠና ኣብ ምሃብ ከምዝርከብ ኣፍሊጠን፡፡

እተን ሚኒስትር “ሓድሽ ኣተሓሳስባ ንዘላቒ ጉዕዞ“ ብዝብል ርእሲ ኣብ ዘቕረበኦ ገለፃ÷“ኣብ ናይ ባዕልና እዋናዊ ኩነታት፣ ባህሊ፣ልምድን ሓቕን ዝተመሰረተ ሓድሽ መንገዲ እናፈተንና ኢና“ ኢለን፡፡

ብሓድሽ ኣተሓሳስባ ዕድል ፈጠራ ስራሕን ክእለትን ስራሕቲ ንዜጋታት ዕድል ስራሕ ካብ ምፍጣርን ክእለቶም ምዕባይን ሓሊፉ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ስብራት ብምሕካም፤ ቀፃልነትን ዘላቕነትን ኢኮኖሚ ጋህዲ ክገብሩ ይግባእ ኢለን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%

5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.