Fana: At a Speed of Life!

ስራሕቲ ፈጠራን ምርምርን ንምብርትታዕ ፈላማይ ዝኾነ ኮንቬክሽን ይዳሎ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒሰስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ስራሕቲ ፈጠራን ምርምርን ንምብርትታዕን ኣፍልጦ ንመሃብን ፈላማይ ዝኾነ ኮንቬክሽን ይዳሎ ኣሎ።

እቲ ኮንቬክሽን ካብ 5 ክሳብ 8 ሓምለ 2013 ዓ.ም ዝዳሎ እንትኸውን፥ ኣብቶም መዓልቲታት ሽዱሽተ ፓነል ዘተታት ከምዝካየዱ ኣካቢ ካውንስል ፕሬዚዳንታትን ፕሮፌሰራትን ኣካዳሚ ሳይንስ ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር ጽጌ ገብረማሪያም ገሊፆም፡፡

ኣብ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ኣማኻሪ ዘፈር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዶክተር ዶክተር ኣባተ ጌታሁን ብግደኦም፥ ኣብቲ ምድላው ካብ 57 መንግስታዊን ናይ ውልቀን ዩኒቨርሲታትን ትካላት ቴክኖሎጂን ምርምርን፣ 51 ትካላት ቴክኒክን ሞያን ሓዊሱ ፍሉጣት መናእሰይ ሳይንቲስታት፣ ፍሉጣት ዓቀብቲ ሃገር በቆልን መውፃእቲ ፖሊሲታትን ብሓፈሻ 90 ትካላት ከምዝሳተፉ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዳይሬክተር ጀነራል ቴክኒክን ሞያን ትምህርቲን ስልጠናን ዶክተር ሰለሞን መኮን፥ እቲ ኮንቬክሽን “ፍልጠት መሪሕ ኢኮኖሚ” ብዝብል መሪሕ ቃል ከምዝካየድን ብዙሓት ረብሓታት ከምዘለዉዎን ገሊፆም፡፡

ኣብ መወዳእታ እቲ ምድላው ድማ ብሓባር ናይ ምስራሕ ስምምዕነትን ኣፍልጦን ከምዝወሃብን እቲ መድረኽ እውን በቢዓመቱ ከምዝቕፅልን ካብ ሚኒስቴር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.