Fana: At a Speed of Life!

ስርዓት ዲጂታላይዜሽን ንተገልገልቲ ቅልጡፍ ግልጋሎት ንመሃብ ዘኽእል ኢዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስርዓት ዲጂታላይዜሽን ንተገልገልቲ ፍትሓዊን ቅልጡፍን ግልጋሎት ንመሃብ ዘኽእል ከምዝኾነ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን÷ ውሱን ሃፍቲ እታ ከተማ ዝኾነ መሬትን ብዘበናዊን ፍትሓዊን ብዝኾነ መገዲ ንምምሕዳር ብቢሮ ልምዓትን ምሕደራን መሬት ቢሮ እናተሰርሐ ዘሎ ስራሕ ዲጂታላይዜሽንን ሪፎርምን ከምዘተዓዘባ ገሊፀን፡፡

“ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ምንግልታዕ በዓል ጉዳይን ብልሹው ኣሰራርሓን ዘትርፍ ከምኡ እውን ንተገልገልቲ ቀሊልን ቅልጡፍን ግልጋሎት ንመሃብ ዘኽእል ዲጂታላይዜሽን ስርዓት ብምምዕባል ንግልጋሎት ድሉው ገይርና ኢና” እውን ኢለን፡፡

ስራሕቲ ዲጂታላይዜሽን ካብ ማእኸል ክሳብ ክፍለ ከተማታት ዘሎ መሬት ኣብ ሓደ ማእኸል ንምምሕዳር ዓቕሚ ከምዝፈጥር እውን ፀሪሐን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.