Fana: At a Speed of Life!

ስዑድ ዓረብ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ክተጠናኽር ከምትደሊ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ ምስ ኣምባሳደር ስዑድ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ሳሚ ጀማል ዓብደላ ተዛቲዮም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ዘተኦም፥ ስዑድ ዓረብ ንዘፈር ሃፍቲ ማይ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ንዝገበረቶ ሓገዝ ገንዘብ 50 ሚሊየን ዶላር ምስጋና ኣቕሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ስራሕቲ ማይን ኢነርጂን ሓቢሮም ንምስራሕ ተስማዕሚዖም።

ኣምባሳደር ስዑድ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ሳሚ ጀሚል ዓብደላ ርክብ ኢትዮጵያን ስዑድ ዓረብን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝደልዩ ተዛሪቦም።

ኩባኒያታት ስዑድ ዓረብ ኣብ ፍርያት መዓድን ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ከምዝግበር ብምሕባር፤ ኩነታት ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ብዝምልከት ድማ ምስ መንግስቲ ሓቢሮም ከምዝሰርሑ ኣብሪሆም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.