Fana: At a Speed of Life!

ሽፋን ደኒ ኢትዮጵያ 17 ሚኢታዊ በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2021 ካብ ሳተላይት ዝተወሰዱ ሓበሬታታት መሰረት ብምግባር ኣብ ዝተሳለጠ ስራሕ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሽፋን ደኒ 17 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ልምዓት ደኒ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ደኒ ኢትዮጵያ ብኣርባዕተ ባዮም ማለት እውን Acacia-Commiphora፣ Combretum-Terminalia፣ Moist Afromontaneን Dry Afromontaneን ብምምዳብ ሓሬታ ሽፋን ደኒ ምውፃእ ከምዝተኸኣለ÷ ኣብ ልምዓት ሃፍቲ ደኒ ኢትዮጵያ ፈፃሚ ስራሕ መሪሕ መፅናዕቲ ሃፍቲ ደኒ ኣይተ ብስራት ሃ/ሚካኤል ተዛሪቦም፡፡

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ 19 ሚሊየን 295 ሺሕን 696 ሄክታር መሬት ብደኒ ከምዝተሸፈነ ኣብሪሆም፡፡

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር÷ ኣብ ምውሳኽ ሽፋን ደኒ፣ ምጉልባት ስነ-ምህዳር ደኒ፣ ምውሳኽን ምንካይ ምልቃቕ ካርበንን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡

ሽፋን ደኒ እታ ሃገር በቢክልተ ወይ ድማ ሰለስተ ዓመት ከምዝስራሕ ኣገንዚቦም፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2013 ሽፋን ደኒ ኢትዮጵያ÷ 15 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.