Fana: At a Speed of Life!

ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ምሕደራን ቁፅፅርን ወፃኢ መንግስቲ ኣብ ኦዲት ዘለዉ ውፅኢታት ስጉምቲ እርማት ክውሰድ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ምሕደራን ቁፅፅርን ወፃኢ መንግስቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ሚኒሰስቴር ሰራተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ፀብፃብ ሒሳብ ኦዲት በጀት ዓመት 2011 ዓ.ም ዋና ቤት ዕዮ ዋና ኦዲተር ፌዴራል ኣድሂቡ ተዛቲዩ።

እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ፥ ኣብ ኦዲት ዘለዉ ውፅኢታት ስጉምቲ እርማት ክውሰድ ከምዝግባእ ኣብቲ እዋን ዘተ ኣተሓሳሲቡ።

ሚኒስትር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋየ፥ ከይዲ ኣፈፃፅማ ኣተኣኻኽባን ፕሮፎርማን ዕድጊት፣ መረዳእታ ኣከፋፍላ መሃያ ዝተማለአ ዘይምዃን፣ ቁፅሪ ስልኪ ቤት ዕዮ እቲ ሚኒስቴር ንዘይተረጋገፀ ስልኪ ክፍሊት ምፍፃሙ ዝብሉ ነጥቢታት ብቐንዱ ዝተረኸቡ ውፅኢታት ኦዲት ተባሂሎም ዝተፈለዩ ከምዝኾኑ ኣብሪሀን፡፡

እተን ሚኒስትር ዋና ኦዲት እቲ ቤት ዕዮ ውስንነት ኦዲት ይረኣዮም ኢዩ ኢሉ ዝፈለዮም ቀንዲ ቐንዲ ጉዳያት ብምፍላይን ዝተውሃቦ ርኢቶን ከምእታወት ብምጥቃም ነቶም ፀገማት እናገምገመ፣ እናኣረመን ስጉምቲ መስተኻኸሊን እናወሰደ ከምዝኾነ ነቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ገሊፀን፡፡

ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣይተ መሓመድ የሱፍ ብግደኦም፥ ስርዓት ፋናንስን ዕድጊትን መንግስቲ ብዘይተኸተለ መልክዑ ዕድጊትን ክፍለትን ምፍፃም፣ ተመን ክፍሊት እንተይሃለዎም ዕድጊት ምፍፃም፣ ንብረት መንግስቲ ብግቡእ ዘይመሓዝ ጉድለት ጥረ ገንዘብን ምንባሩ ኣብ ኦዲት ዝተረኸቡ ውፅኢት ኦዲት ከምዝኾኑ ኣገንዚቦም፡፡

ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ገንዘብ ብዝምልከት ካብ ዋና ኦዲተርን ቀዋሚ ኮሚቴን ዝተውሃቡ ሓሳባት ከምእታወት ብምውሳድ ስጉምቲ መስተኻኸሊ ክውሰድ ከምዝግባእ ምትሕስሳቦም ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.